Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

israel and the end times


ኣሞጽ 9:14-15 | 14 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉወይኒ ኸኣ ኪሰትዩኣታኽልቲ ኺገብሩፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ

Translation | Context
ዘካርያስ 14:1-21 | 13 Helpful votes

እንሆ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ፣ ዘመቴኺ ኸኣ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ። ኣነኸኣ ኵላቶም ኣህዛብ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ኽትትሐዝ እያ፣ ኣባይቲ ኺዝመት እዩ፣ ኣንስቲውን ኪንውራ እየን፣ ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፣ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይኪጠፍእን እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፣ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ኪቐውም እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸኣ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጥቕኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ናብ ሰሜንፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ። ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪበጽሕ ኣዩ እሞ፣ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኹም። ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይህዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝሀደምኩምክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፣ ኵላቶም ቅዱሳን ከኣ ምሳኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ብርሃንሲ ድነ ኪኸውን እዩ እምበር፣ ነጸብራቕ ኣይኬብርህን እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዕልቲውን ትኸውን፣ መዕልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሀን ኪኸውን እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ኺነግስ እዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ። ኵላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ የሩሳሌም ናብ ጐልጐል ክትልወጥ እያ። የሩሳሌም ከኣ ልዕል ክትብል፣ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ቦታ ቐዳመይቲ ደገ፣ ክሳዕ ደገ ዅርናዕ፣ ካብ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ክሳዕ መጽመቝ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ። ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፣ የሩሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ። እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። በታ መዓልቲ ኸኣ ኪኸውን እዩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ኬተንስኣሎም እትዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኺልዐል እዩ። ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ኪዋግኣ እዩ፣ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብኣዛዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን፣ ኪድለብ እዩ። ከምኡውን እታ ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን እትወቅዕ መዓት ከምዛ መኦኣት እዚኣ ኽትከውን እያ። ክኸውን ድማ እዩ፣ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም። ኪከውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኪሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ። ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደየቡን ዘይመጹን ከኣ ናብ ኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ። እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጽዓት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስቅዱስ ንእግዚኣብሄር፡ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ። ድስቲ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሩሌምን ኣብ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዚስዋኡ ዅላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኬብስሉ እዮም። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ ከቶ ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
ዮኤል 3:1-21 | 8 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም፣ ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፣ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ፣ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ። ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሀቡጓል ድማ ንወይኒ ሽጥዋ ስተዩ ኸኣ። ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፣ ምሳይ እንታይ ኣሎክም፡ ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም፣ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከኣ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፣ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ የሩሳሌምን ከኣ ካብ ዶቦም ከተርሕቕዎምሲ፣ ናብ ደቂ ዮናናውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፣ ፍዳዶ ክትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍርዲ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፣ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። እንሆ፣ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፣ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፣ ናብ ሰብ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ትዛሪብዎ እዩ። እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጁውግእ ኣዳልዉ፣ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፣ ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡይውጽኡማሕረሻኹም ሰይፊ፣ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፣ ኣነ ጅግና እየ፣ ይበል። ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት፣ ቀልጥፉ፣ ንዑ ተኣከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም። ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፣ ኣብኣ ክቕመጥ እየ እሞ፣ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡእከዮም ስለ ዝዐበየቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፣ ማዕጺድ ስደዱ፣ እቲ መጽመቝ መሊኡ፣ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ አሎ እሞ፣ ንዑ ርገጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፣ ጭፍራ፣ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልማከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝምድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ። ኣነ ኣብ ቅዱስ ከርነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣቢሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም። የሩሳሌም ከኣ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍልንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ። ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፣ ብሰሪ እቲ ንደቂ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻግብጺ ኽትባድምኤዶም ከኣ ጽምጽም በረኻ ኽትከውን እያ። ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብርየሩሳሌም ከኣ ንውሉድ ወሎዶ። ኣነ ድማ ነቲ ዘጽሬኽዎ ደሞም ከጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 11:1 | 7 Helpful votes

እምበኣርሲ እብል አሎኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርይብይዎ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:24 | 5 Helpful votes

ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፣ ካብ ኵሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም እየ፣ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:15 | 4 Helpful votes

እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ -

Translation | Context
ራእይ 2:1-29 | 3 Helpful votes

ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ፡ ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻንነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካንነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምንእፈልጥ አሎኹ። ትዕግስቲ ኸኣ አሎካስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካኣይሰልኬኻንግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮእንተ ዘይኰነስ ክመጸካእንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይንሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡ ጸበባኻን ድኽነትካን፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑእፈልጥ አሎኹ። እንሆምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየእዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕእቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍእቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉንኣንቲጶስነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሐድካያን። ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባርንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ። ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ። ስለዚ ተነሳሕእንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍእቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕእፈልጥ አሎኹ። ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየእናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ። ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትንእንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየንንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ። ኣብ ትያትራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን፦ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎዘይፈልጥኩምዎእዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም አሎኹ። ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ

Translation | Context
ዮኤል 2:30-31 | 3 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራትደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክንከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸትጸሓይ ኣብ ጸልማትወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:1-12 | 3 Helpful votes

ነዚ ምስክርና መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበመልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮንብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርናነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለእግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖመከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢመዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ

Translation | Context
ህዝቅኤል 11:17 | 3 Helpful votes

ስለዚ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩምሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም

Translation | Context